ድሕረ ባይታ

ድሕረ ባይታ/Background/

ኣብ ትግራይ ፖሊስታት፣ ስተራቴጅታት ሓለዋ ከባቢ ብላዕዋይነት ንክተግብርን  ብላዕለዋይነት ከተሓባብርን ንፈለማ እዋን ሓለዋ ስነ ከባቢ፣ ኣጠቃቕማን ምምሕዳርን ገፀር መሬት ብዝብል ሽም  ብብርኪ በዓል መዚ  1996 ዓ.ም ተጣይሹ።  ተፀዋዕነቱ  ድማ  ንርእሰ ምምሕዳር  ነይሩ ፡፡  ብምኽንያት ምትእትታው መስርሕ ቀረፃ ሓዲሽ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ብ2004 ዓ.ም እዚ በዓል መዚ / ሓለዋ ስነ ከባቢ፣ ኣጠቃቅማን ምምሕዳርን ገፀር መሬት/  ብብርኪ ኤጀንሲ ተወዲቡ ተፀዋዕነቱ ካብ ርእሰ ምምሕዳር  ናብ ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክዛወር ተገይሩ ሓለዋ ከባቢ  ኣብ ትሕቲ እዚ ኤጀንሲ ብብርኪ ከይዲ ስራሕ  /ምስ ምትእትታው ጀኤጂ  ተዛሚዱ  ካብ 2010 ጀሚሩ ከይዲ ስራሕ ዝብል ናብ ዳይረክቶሬት ተቀይሩ/ እስካብ 2012 ዓ.ም ክሰርሕ ፀኒሑ ፡፡ በኣዋጅ ቁፅሪ —-/2014 ዓ.ም   ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን  ገፀር መሬት ዝምልከት  ከይዲ ስራሕ  ካብዚ ኤጀንሲ ወፂኡ ዓርሱ ኪኢሉ  ከም ቢሮ ተወዲቡ ። ዳይሬክቶሬት ሓለዋ ከባቢ ብሕጊ ከይፈረሰ ኤጀንሲ ኮይኑ እስካብ 2014 ዓ.ም ፀኒሑ ።መንግስቲ ትግራይ ካብ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ላዕለዋይ ፀፍሒ ኣብያተ ዕዮ  መንግስቲ  ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ከካይዶ ብዝፀነሐ  መፅናዕቲ  መሰረት ዳይረክቶሬት  ሓለዋ ከባቢ ብብርኪ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢን ለውጢ ነባሪ ኣየርን ንክውደብ  ብ2014 ዓ.ም ብካቢኔ  ፀዲቁ እዩ ። በዚ መሰረት እዉን አርባዕተ(4) ዋና ዳይሮክቶራት ማለት ዉን ዳይሬክቶሬት መፅናዕቲን ምዕባይ ዓቕሚን ሓለዋ ከባቢ፤ዳይሬክቶሬት ትግበራ ለውጢ ነባሪ አየርን ሓምለዋይ ኢኮኖሚን፤ዳይሬክቶሬት ገምጋም ፅልዋ ስነ ከባቢን ፍቓድ ምሃብን፤ዳይሬክቶሬት ቑፅፅርን ምኽባር ሕግን ሓለዋ ከባቢ  ተወዲቡ እዩ።

 
ተግባርን ሓላፍነትን በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢን ለውጢ ነባሪ አየርን ክልል ትግራይ

ተግባርን ሓላፊነትን

  1. ስነ-ከባቢ እናፅነዐ መረዳእታ ይእክብ፣ ኣግባብ ኣጠቓቕምኡ ይውስን፣ ከከምኣድላይነቱ ንተጠቀምቲ መረዳእታን ሓበሬታን ይህብ፣
  2. ስርዓት ትመና ዋጋ ኣገልግሎት ስነ-ምህዳር የተኣታቱ፣ የተግብር፣
  3. ስነ-ከባቢ ብምኽንያት ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕ ምክንያት ስነ-ከባቢ ጉድኣት መፍረያይነቱ ከይንክን ካብ ረብሓ ወፃኢ ንከይኸውንን ኣጠቓቕማ ፅልዋ ስነ-ከባቢ ዘሕድሩ       መንግስታዊ፣ ውልቀን ሓባርን ትሕዜቶ ግቡእ ሓለዋ ዝግበረሎም ኣግባብ ንክህሉ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር ይከታተል፣ የተሓባብር፣ ይቆፃፀር፣
  4. ኣብ ሓምለዋይ ከባቢን ለውጢ ነባሪ ኣየርን ዝምልከቱ ፕሮጀክታትን ፐሮገራማትን የፅንዕ፣ይቐርፅ፣ መፈፀሚ ፋይናንስ የታኣላልሽ፣ ኣብ ዝምልከቶ ስራሕ ክውዕል ይገብር፣ ተግባራዉነቱ ይከታተል ዝርዝሩ ብቤት ምክሪ ፈፃሚ ስራሕ ብዝወፅእ መምርሒ ይውሰን
  5. ሓለዋ ስነ-ከባቢ ኣመልኪቱ ኣብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዘሎ ኣካይዳ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣ ይድግፍ፣ ሕጋዊ ስጉምቲ ይወስድ፣ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
  6. ዝተጎድአ ስነ ምህዳር ንክሓዊ ኣብ ሃፍቲ ብዝሓ-ህይወት ትግራይ፣ ተፈጥሮን ሰብ ስራሕ ሓደጋታት፣ኣብ ኣጠቓቕማን ኣተሓሕዚን ፓርክታት መፅናዕቲ የካይድ፣ ንመንግስቲ ውሳነ ሓሳብ የቕርብ፣ ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ይህብ፣ ኣፈፃፅምኡ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
  7. ለውጢ ነባሪ ኣየርን ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚንዝምልከቱ ጉዳያት የተሓባብር፣ይድግፍ፣ይታተልን ነዚ ዝምልከቱ ርክባት ድርድራትን ብሓላፍነት የታሓባብር ፣ይፍፅም ዘድሊ መስረሓት ይዝርጋሕ መረዳእታት ይእክብ ይሕዝ፡፡
  8. ከይዲ ህንፀት ብለውጢ ነባሪ ኣየር ዘይስኮን ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣብ ትልሚ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ምክታቶምን ምትግባሮም ይድግፍ ይኸታተል፣ ይቆፃፀር ስርዓት ምዕቃን ፣ ሪፖርትን ምርግጋፅን ልቀት ሙቐት ዓፈንቲ ጋዛት ይዝርግሕን ተግባራዊ ይገብርን፡፡
  9. ብዝካየዱ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ምንቅስቃሳት ኣብ ስነ ከባቢ፣ ስርዓተ ምህዳርን፣ ማሕበረ ሰብን ዝበፅሕ ጉድኣት ንምክልኻል፣ ንምቅናስን ምሕዋይን ዘኽእሉ ኢኮኖሚያዊን ምምሓደራዊን መስረሓት ይዝርጋሕ፣ ኣፈፃፅምኡ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፡፡
  10. ብኽለት ከባቢ፣ ብርሰት ስርዓት ምህዳር፣ ለውጢ ነባሪ ኣየርን ንምስትኽኻልን ንምቅናስን ዘክእሉ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ብምልላይ የፋልጥ፣ ዝተኣታተዉ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ሳይነስን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘየሕድሩ ምዃኖም የካታተል ይቆፃፀርን፡፡
  11. ኣብ ስነ ከባቢን ሓምለዋይ ልምዓትን ዝነጥፉ ነፃ ማሕበራት፣ ውደበታት፣ናይ ትምህርትን ምርምርን ትካላት ውልቀ ሰባት የተባብዕ ይድግፍን ኣፍልጦን ሽልማትን ይህብ፡፡
  12. ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር ህዝቢ ከባቢኡ ከልምዕ፣ ክከናኸንን ክሕሉን ቀፃሊ ኣስተምህሮ ይህብ፣ ውፅኢቱ ይከታተል፣ ይግምግም፣
  13. ሓለዋ ስነ-ከባቢ ዝምልከቱ ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት የፅንዕ፣ ይቐርፅ፣ ንድፈ ሓሳብ የዳሉ፣ ነዙ ዝድገፍ ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ሓገዜ ፋይናንስ የተኣላልሽ፣ ኣብ ዝምልከቶ ስራሕ ክውዕል ይገብር፣ ተግባራዊነቱ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣ ዝርዝሩ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ሰራሕ ብዘውፅኦ መምርሒ ይውሰን፣
  14. ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈረሙን ዝፀደቑን ዓለምለኻዊ ስምምዓትን ውሳነታትን ሓለዋ ስነ-ከባቢ ኣብ ስራሕ የውዕል፣ ይከታተል፣
  15. ዝተዳለወ ብርኪ ሓለዋ ስነ-ከባቢ ኣብ ስራሕ ምውዓሉ የረጋግፅ፣
  16. ሓለዋ ስነ-ከባቢ ኣመልኪቶም ዝመፁ ጥርዓናትኣድላይ ምፅራይ ይገብር፣ ውሳነ ይህብ፣
  17. ኣተኣኻኽባ፣ ኣተሓሕዚ፣ ኣተኣላልያን መሊስካ ኣብ ጥቕሚ ምውዓልን ፈሳሲ ርስሓት፣ ደረቕ ጉሓፍን፣ ከሚካላትን መርዛም ሓደገኛ ጎሓፍን ኣብ ጥዕና፣ ደሕንነት ሕብረተሰብን ስነ-ከባብን ፀገም ብዘይፈጥር ኣግባብ ምፍፃሙ የረጋግፅ፣ ይቆፃፀር፣ ብመሰረት ሕጊ ስጉምቲ ይወስድ፣
  18. ኣብ መንግስታወን ዘይመንግስታዊን ትካላት ክትትልን ቁፅፅርን ስነ-ከባቢ የካይድ፣ ሕጋዊ ስጉምቲ ይወስድ፣
  19. (ፕሮጀክታት ልምዓት ፕሮግራማትንማስተር ፕላንን— ይቆፃፀር ይሕድስ) ብውልቀ ሰብ ሃፍትን ብመንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትን ዘሳለጡ ፕሮጀክታት ልምዓት ዝቐርብ ሰነድ መፅናዕቲ ፅዕንቶ ስነ ከባቢ ብምግምጋም መረጋገፂ ስነ-ከባቢ ይህብ፣ ይእግድ፣ ኣተገባብርኡ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣ንስነ-ከባቢ ብዘይጎድእ መንገዲ ክፍፀሙ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብሓባር ይሰርሕ፣ ብመሰረት ሕጊ ስጉምቲ ይወስድ ወይ ክውሰድ ይሰርሕ፣
  20. ሓለዋ ስነ-ከባቢ ዝምልከቱ ጉዳያት ንሰብ ትሕዝቶ፣ ተጠቀምቲ፣ ንሰብ ውልቀ ሃፍትን መንግስታውን ዘይመንግስውን ትካላት ምኽርን ቴክኒካዊ ሓገዝን ይህብ፣
  21. ብኽለት ከባቢ ኣየር ከስዕቡ ዘኽእሉ ከሚካላውን ካልኦትን ብሓባር ዝውገድሉ መስርሕ የውፅእ፣ ዝርዝሩ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብዘውፅኦ መምርሒ ይውሰን፣
  22. ብርክታት ስነ ከባቢን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ስታዳርድ የዳሉ፣ ኣብ ስራሕ ምውዓሎም ይከታተል፣
  23. ኣብ ብዜሃ ህይወትን ንሓደጋ ዜተቓልዑ ስነ ምህዳርን ጉድኣት ከይበፅሕ ስራሕቲ ክትትልን ቁፅፅርን የካይድ፣
  24. ስነ ከባቢ ዝምልከት ፍቓድን መረጋገፂ ብቕዓትን ይህብ፣ ይሕድስ፣ ይስርዝ፣
  25. ኦዲት ስነ-ከባቢ የካይድ፣
  26. ብርሰት፣ብኽለት ኣየር፣ ሓመድ፣ ማይ፣ ድምፂ፣ ስነ-ምህዳር ኣብ ዝስዕቡ ትካላት ብቑዕ መረዳእታ ብምሓዝ ሕጋውን ምምሕዳራውን ስጉምቲ ንክውሰድ ይገብር፣