2.1. ተልእኾ፤ ራእን ክብርታትን /Mission, Vision and Core Values
ራእይ/ VISION
ደሕንነት ከባቢ ዘውሕስ ማ/ሰብን ትካላትን እትውንን ብለወጢ ነባሪ ኣየር ዘይስኮን ዘላቂ ዕብየት ዘረጋፀት ትግራይ ምህናፅ፡፡
To build a society and institution that ensures the environment's safety of Tigray, and to
have Tigray that is built with resilient and sustainable development.
ልኡኽ/ MISSION
ኣብ ዓለም ለኸ ስምምዕነታት፣ሕገ መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ኻልኦት ዝተደንገጉ
ሕግታት፣ዕላማታት፣ፖሊስታት፣መሰረታዊ መትከላት፣ ምዕዋቶም ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ተግባራት ንምፍፃም፡፡
ኣብ ሕ/ሰብ ትምህርቲ ሓለዋ ከባቢ ክስፍሕፋሕ ብምግባር ሕ\ሰብ በዓል ዋና ናይ ከባቢ ኮይኑ ከባቢኡ ናይ
ምሕላው ባህሊ ብምዕባይ ጥዕናን መነባብሮን ዝስማዕማዕን ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓሳት ምፍጣር
ኣብ ዝግበሩ ልምዓታዊ ስራሕቲ ንከባቢ ጉድኣት ብዘየብፅሕ መንገዲ ንምስጓም ዘኽእል ስርዓት ምሕደራ ሐለዋ ከባብን
ለውጢ ነባሪ ኣየር ብምዝርጋሕ ካብ ብኽለትን ብርሰትን ዝተናገፈት ፤ልውጥ ዓሌታት ብምቁፅፃር ኣብ በዝሃ ሂወትን
ስነ ምህዳርን ክበፅሕ ዝክእል ኣሉታዊ ፅዕንቶ ብምክልኻል ን ምችው ከባቢ ንምፍጣር ዘላቒ ዕብየት ኣብ ምርግጋፅ
ዝሕግዝን ሕ/ሰብ ኣብ ውሕስን ጥዕንኡ ዝተሐለወ ዘትኾረ ይኸውን።
ክብርታት/ Core Values
ቤት ዕዮና ካብ ፅግዕተኝነት ነፃ ዝኾነን ብተኣማንነት ንደሕንንት ከባብን ማ/ሰብን ዝሕለቕ ትካል ምዃኑ
እንህቦ ግልጋሎት ብቑዕ፤ ቁልጡፍን ትሕትና ዘተላበሰን ምዃን
መሃዘቲ፤ ንለውጢ ቁሩባት፤ንሓደሸ ኣሰራርሓታት ድማ ተቀበልትን ተዓፃፀፍትን ምዃና
እንህቦ ውሳነ ኣብ ሳይንሳዊ መርትዖን ዓለመለኻዊ መርሂ ከባብን ዝተሞርኮሰ ምዃኑ
ምሰ ብዙሓት ናይ ውሽጥን ወፃእን ኣካላት ተሓባቢርና ንዝለዓለ ውፅኢት ንተግህ
ንዘየቋርፅ ለውጢ ብዘየቋርፅ ንስጉምን ብቀፃልነት ንመሃርን
እነካይዶም ናይ ቁፅፅርን ሕጊ ምኽባርን ስራሕትን ስጉምትን ምዕሪታዊ፤ ግልፅን ዒላማ ተኮርን ምዃኖም
ሃብተ-ገነትና ብኣግባቡ ኣብ ዕቀባ ከባብን ደሕንነት ማ/ሰብ ነውዕል ምዃና
ንማዕረ ተጠቃምነት ማሕበረሰብን ማዕርነት ፆታን ልዑል ግምት እንህብ
ናይ ባዓል ዋናነት መንፈስ ኣብ ኩለ ሕ/ስብ ክህሉ ንሰርሕ
ሕግታት ከባቢ ንኽትግበሩ ብዕቱብ ንሰርሕ
ፅዕንቶ ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምቕናስን ንምፅዋርን ዘሎ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ሓላፍነት ንዋፃእ
1.2.2. ቀንዲ መርህታት/ GUIDING PRINCIPLES
ትግበራ እዚ ትልሚ ኣብዞም ዝስዕቡ መሰረታውያን መርህታት ዝተሞርኮሰ ይኸውን፤-
ሀ) መርሂ ዘላቒ ልምዓት (Principle of Sustainability of Environment and Equal
Opportunities across Generation)
ዘላቒ ልምዓት ማለት-ድልየታት ቀፀልቲ ትውልድታት ብዘይፃባእ መንገዲ ናይ ዚ ትውልዲ ድልየታት ዘማልእ ልምዓት ማለት እዩ ፡፡ በዚ
መሰረት ብዓል መዚ ሓለዋ ከባብን ለውጢ ነባሪ ኣየርን ናይ ምልማዕ መሰል ምስ ናይቀፃሊ ወሎዶታት ድልየት ብዘይፃባአ ኣግባብ
ክኸውን ይሰርሕ።
ለ) መርሂ ቅድመ- ጥንቃቐ (PRECAUTIONARY PRINCIPLE)
ንደሕንነት ከባብን ጥዕና ማ/ሰብን ክባሃል እኹል ሳይንሳዊ መርተዖ ከይተፀበኻ ህፁፅ ስጉምቲ ምውሳድ
ሐ) መርሂ ምክልኻል (Prevention Principle)
ኣብ ከባቢ ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣታት፡ ኣቐዲምካ ምምርማር፣
መጠን ልቀትን ብርኪ ምህርትታትን ምውሳንን
ኣብ ቀረባ ዝርከቡን ምስ ከባቢ ዝሰማምዑን ናይ ሓመለዎት ቴክኖሎጂ ምጥቃምን ኣብ መርሂ ምክልኻል ክጥቀሱ ካብ
ዝኽእሉ ተግባራት እዮም ፡፡
መ) መርሂ ዝበከለ ይኽፈል (Polluter Pays Principle)
ናይዚ መርሂ እዚ ዕላማ በካሊ ንትበደልቲ ብምኽሓስ ዘብቅዕ ዘይኮነስ ዝተጎድአ ከባቢውን መሊሱ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ግዴታ
ዝውስኽውን እዩ፡፡እዚ መርሂ እዚ ንመብረስቲውን ክሰርሕ ይኽእል እዩ።
ሰ) መርሂ ትሕብብር (Principle of Cooperation)
ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚሩ ኩሉም ውዳበታት፤ ሃገራውያንን ዓለመለካውያን ትካላት ኣብ ዕቀባን ደሕንነትን ከባቢ ክሳተፉን
ክተሓባበሩን ግዴታ አለዎም